ሰማዕት ዝብል ቃል ‘ሰምዐ’ መስከረ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሥ ዝተረኽበ ኪኸውን ከሎ ምምስካር፡ ምስክር ማለት እዩ።
“ብዛዕባ እቲ ኻብ መጀመርታ ዚነበረ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ በዕይንትና ዝረኣናዮ፡ ዝጠመትናዮን፡ ብኣእዳውና ዝዳኅሠሥናዮ ቓል ሕይወት ንነግረኩም ኣሎና። እታ ንኣና ዝተገልጸት ምስ ኣቦ ዚነበረት ዘለዓለማዊት ሕይወት ድማ ንነግረኩም ኣሎና።” ዝተባህለ ሰማዕት ማለት ዝረኣኻዮን ዝሰማዕኻዮን ሓቂ ምምስካር እዩ። (1ይ ዮሓ. 1፡1-10)
ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓይኖም ርእዮም፡ ብኣእዛኖም ሰሚዖም፡ ብኢዶም ዳኅሢሦም መስከሩ፡ በዚ ኸኣ ኻብ ኣሕዛብ ብዙኅ ፀዋትወ መከራ ተቐቢሎም ብሰማዕትነት ኃለፉ። (1ይ ዮሓ. 1፡1-2) ኣብ ደኃር ዘመን ከኣ ምእንቲ ፍቕሪ እግዚአብሔር፡ ምእንቲ ቕድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ስለ ሃይማኖትን ሓቅን ብምምስካር ዝባኖም ንመግረፍቲ፡ ሰብነቶም ንሰንሰለትን እሳትን፡ ክሳዶም ንሴፍ ኣኅሊፎም ዝሃቡ ከምኡ’ውን ብዳርባ እምኒ ተቐጥቂጦም፡ ብዅናት ተወጊኦም፡ ብስደትን ማእሰርትን፡ ኣብ በረኻን በዓትታትን ከርተት ዝበሉ ሰማዕታት እዮም።
“አማን መነኑ ሰማዕት ጣዕማ ለዛ ዓለም ወከዐዉ ደሞሙ በእንተ እግዚአብሔር ወተዐገሡ ሞተ መሪረ በእንተ መንግሥተ ሰማያት/ ሰማዕታት ንናይ እዚ ዓለም’ዚ ጣዕሚ ብሓቂ ነዓቑ። ደሞም ከኣ ስለ እግዚአብሔር ኢሎም ኣፍሰሱ። ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት መሪር ዝኾነ ሞት ተዓገሡ። ከምዝብል ውዳሴ ማርያም ዘኃሙስ።
ሓደ ኻብዞም ዓበይቲ ሰማዕታት ዝኾነ ሊቀ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ እዩ። ቅዱስ ጊዮርጊስ 2 ጥሪ 277 ዓ.ም. ካብ ኣቦኡ ኣንስጣስዮስን ካብ ኣደኡ ቴዎብስታን ኣብ ሃገረ ፍልስጥኤም ትርከብ ልዳ ትብሃል ዓዲ ተወሊዱ። ናይ ኣቦኡ ዓዲ ቀጶዶቅያ ኪኸውን ከሎ፡ ናይ ኣደኡ ዓዲ ኸኣ ልዳ ትብሃል። እዛ ልዳ ትብሃል ዓዲ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣምራት ዝገበረላ ቦታ ኽትከውን ከላ ኣቦኡ ኣንስጣስዮስን ናይ’ዛ ዓዲ እዚኣ ኣመሓዳሪ (መስፍን) ነበረ። ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ኣብ 7ተ ዓመት ዕድመኡ ኣቦኡ ይመውት። ቅዱስ ጊዮርጊስ ወዲ 20 ዓመት ምስ ኮነ ኵናት ምድርባይን ቀስቲ ምውርዋርን ከምኡ’ውን ኣብ ፈረስ ተወጢሕካ ምግላብን ይመሃር ነበረ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ብመንፈስን ብሥጋን ምስ ደልደለን ዓበየን ናብቲ ንጉሥ ዱድያኖስ ዝነበሮ ፋርስ ባቢሎን ሽመት ኣቦኡ ኺቕበል ከደ። ንጉሥ ዱድያኖስ ከኣ ጣዖት ኣቒሙ፡ ንባዕሉ ሰጊዱ ከይኣኸሎ ነቲ ሕዝቢ ከስግዶ ጸንሖ። ቅዱስ ጊዮርጊስ በዚ ኣምልኾ ጣዖት ናይ ንጉሥ ዱድያኖስ ኣዝዩ ኃዘነ። ንናይ ዱድያኖስ ኣምልኾ ጣዖት ምእንቲ ኺቃወም ኣቐዲሙ ናብ ቤቱ ተመሊሱ ነቲ ዝነበሮ ዅሉ ንዋይ (ሃብቲ) ንሽጉራትን ንጽጉማትን ዓዲሉ፡ ናብ ንጉሥ ዱድያኖስ ጕዕዞኡ ጀመረ። ኣብ መንገዲ ናብ ሓንቲ ገበል ተምልኽ ዓዲ ኣላገሰ። ነባሪ እዛ ዓዲ በብተራ በዅሪ ውላዱ ነዚ ገበል (ድራጎን) ከም ኣምኃ (ህያብ) የወፊ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ተራ መስፍን ናይቲ ዓዲ ስለዝነበረ ነታ ጓሉ ድራር ገበል ክትኸውን ኣሲርዋ ኸደ።
ቅዱስ ጊዮርጊስ እታ ጓል ተኣሲራ፡ ክትበኪ ምስ ርኣያ ቐሪቡ “ኣቲ ጓል እንታይ ዄንኪ ትበኽዪ ኣሎኺ፧” ኢሉ ሓተታ። እታ ጓል መስፍን ከኣ “ብመሠረት ሕጊ ናይዚ ዓዲ እዚ ንገበል (ድራጐን) ድራር ክኸውን ዝተወፈኹ እየ። ኣነስ ዕድለይ ኮይኑ ነዚ ገበል ተዋሂበ ኣሎኹ፡ ንኣኻ ግና ኸይበልዓካስ ቀልጢፍካ ኺድ” በለቶ። ብድኅር እዚ እታ ጓል መስፍን እቲ ገበል ካብ ርኁቕ ቦታ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣየቶ “መጺኡ! መጺኡ!” ኢላ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ነገረቶ። እቲ ገበል ስኑ ከም ስኒ ሓርገጽ፡ ክንፉ ኸኣ ኸም ክንፊ ኣሞራ ኾይኑ ቁመቱ 60 እመት (30 ሜትሮ) ይበጽሕ ነበረ። እዚ ገበል እዚ ነቲ ዝተዳለወሉ ሰብ ቅድሚ ምውሓጡ ኣቐዲሙ መርዙ ኣውፂኡ ብርቱዕ ዶሮና እዩ ዝገብር።
እዚ ገበል’ዚ ናብ ቅዱስ ጊዮርጊስን ናብታ ጓል መስፍንን ገጹ ኣቕንዐ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ብትእምርተ መስቀል ኣማዕቲቡ፡ በታ ወርቃዊት ኵናቱ ገይሩ ኣብ ኣፉ ወግኦ። እቲ ገበል እናጨደረ ተጠምጠመ። ደጊሙ፡ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ሕቈኡን ጭርኡን ምስ ወግኦ፡ እቲ ገበል ሞተ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ነታ ጓል ጸዊዑ ‘እናጓተትኪ ናብ ከተማ እተዊ’ በላ። እናጓተተት ናብ ከተማ ምስ ኣተወት፡ እቶም ሕዝቢ ኣዝዮም ተደነቑን ሰንበዱን። ቅዱስ ጊዮርጊስ ልቦም ከም ዝተወገአ ተመልኪቱ “ኣቱም ሕዝቢ! ብጐይታይን ብኣምላኸይን ኢየሱስ ክርስቶስ እመኑ” እናበለ መሃሮም። እቶም ሕዝቢ ኸኣ “ኣሚንና ኣሎና” እናበሉ መለስሉ። ሽዑ ቅዱስ ጊዮርጊስ “በሉ ነዚ ገበል ጓቲትኩም ጐሓፍዎ” በሎም። 40 ሰባት ኮይኖም ግና ምጕታቱ ሰኣኑ። ቅዱስ ጊዮርጊስ እምነት ከምዘጕደሉ ተረዲኡ፡ ነታ ጓል መስፍን “ጐቲትኪ ጐሓፍዮ” ምስ በላ ግና ጐቲታ ኣጽደፈቶ።
ብድኅር'ዚ ስብከተ ወንጌል እናቐጸለ ናብቲ እቲ ንጉሥ ዘለዎ ቦታ መንገዱ ኣቕንዐ። ኣብ ኣደባባይ ደው ኢሉ ኸኣ እቲ ንጉሥ ዘምልኾ ዘሎ ጣዖት ከድኅኖ ከምዘይክእልን ድኅነት ብጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑን መሃረ። ንጉሥ ዱድያኖስ እቲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝመሃሮ ንሕዝቢ ዝማርኽን ዘሸብርን ኮይኑ ስለዝረኸቦ፡ ምእንቲ ናብቲ ናቱ ኣምልኾ ጣዖት ከእትዎ፡ ነቲ ንሱ ዘቖሞ ጣዖት እንተደኣ ሰጊዱ ኽሽልሞን ክሸሞን ምዃኑ ደጋጊሙ ቓል ኣተወሉ።
ቅዱስ ጊዮርጊስ ግና “ዘሀብትም ዘድኪ፡ ዘድኅን ዝቐትል እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ሓደ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዩ። ስለዚ ንጣዖት ምምላኽ ኃዲግኩም ብሓደ እግዚአብሔር እመኑ” ኢሉ ንሓሳብ ንጉሥ ነጸጎ። ብዙኃት ካብቶም ሕዝቢ ኸኣ ነዚ ትምህርቱ ተቐቢሎም ካብ ኣምልኮተ ጣዖት ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር፡ ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ ተመልሱ።
ንጉሥ ዱድያኖስ ዝሓሰቦ ስለዘይሰለጦ፡ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ንኽቐትሎ መደበ። ኣትናስያ ዝበሃል ጠንቋሊ ጸዊዑ ዝቐትል መርዚ ኣቃሚሙ ብምድላው ንቅዱስ ጊዮርጊስ ከስትዮ ኣዘዞ። ኣትናስያ ከምዝተባህሎ ኣዳልዩ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ኣስተዮ። ከምቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ነቶም ብስመይ ዝኣምኑ ብዙኅ ተኣምራት ክስዕቦም እዩ። . . . ዝቐትል መርዚ እንተሰተዩ እኳ ኸቶ ኣይክጐድኦምን እዩ” ማር. 16፡18 ዝበለ ቅዱስ ጊዮርጊስ እቲ ዝሰትዮ መርዚ ገለ እኳ ኣይጐድኦን። ነዚ ተኣምራት እዚ ዝረኣዩ ሕዝቢ ኣዝዮም ተገረሙ ብፍላይ እኳ እቲ ዝቐትል መርዚ ዘዳለወ መሠርይ ኣትናስያ፡ ነቲ ናይ ጥንቆላ ሥርሑ ገዲፉ ብክርስቶስ ኣሚኑ ተጠመቐ። ኣብታ ጊዜ እቲኣ ድማ ምስ 3,700 ሰባት ብሰማዕትነት ኃሊፉ ኣኽሊል ሰማዕትነት ተቐበለ። ንቅዱስ ጊዮርጊስ ድማ ብሓፂን መጋዝ ተሓርሒሩ ክቕተል ኣዘዘ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ዋላ እኳ ብመጋዝ ተመጊዙ እንተ ሞተ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ሽዑ ንሽዑ ኣተንሥኦ። ኣይጸንሐን ካብ ሞት ምስ ተንሥአ ክሰብኽ ጀመረ። ብኡ ንብኡ ድማ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሕዝቢ ብትምህርቱ ኣሚኖም ተጠምቑን ብሰማዕትነት ኃለፉን።
ቅዱስ ጊዮርጊስ ስብከተ ወንጌል ብምቕጻል 70 ነገሥታት ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣደባባይ ብትብዓት ደው ኢሉ መሃረ። እቶም ነገሥታት ከኣ ነቲ ኾፍ ኢሎምሉ ዘለዉ መናብር ኣጠጢዑ ኸርእዮም ሓተትዎ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ድማ ጸሎት ገይሩ ነተን ኮፍ ኢሎምለን ዝነበሩ መናብር ከምዝጥጥዓ ገበረ። እንተኾነ እዞም 70 ነገሥታት ተኣምራቱ ርእዮም ኣብ ክንዲ ዝኣምኑ፡ ሓፂን ኣብ ሓዊ ኣርሲኖም በቲ ሓፂን ድኅሪ ምሕራር ንሥጋኡ ጥሒኖም ኣብ ደብረ ይድራስ ዝተባህለ ጎቦ ብንፋስ ከምዝብተን (ዝዝሮ) ገበሩ።
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ካብ ሞት ኣተንሥኦ። ንሱ’ውን ስብከተ ወንጌል ቀጸለ። እዞም ነገሥታት በቲ ዝኾነ እናተገረሙ፡ ምዉት ሰብ ኣተንሢእካ እንተ ኣርኣኻና በቲ ናትካ ኣምላኽ ክንኣምን ኢና በልዎ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ከኣ ጸልዩ ሞይቶም ካብ ዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን ኣተንሥአ።
ብዙኃት’ውን ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም ብሰማዕትነት ክኃልፉ ኸለዉ፡ “ካብ ጽሩይ ሥርናይ ክርዳድ ነይሰኣን” ከምዝበሃል ልቦም ዘትረሩ ሓደ ሓደ ሰባት እዚ ዝተገብረ ተኣምራት ምትሓት እዩ እምበር ሓቂ ኣይኮነን እናበሉ ንባዕሎም ተጋግዮም ንኻልኦት ዕንቅፋት ኮኑ።
ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ናብ ገዛ ሓንቲ ድኻ ሰበይቲ ወሲዶም ኣብ ዓንዲ ኣሲሮሞ ከዱ። እዛ ድኻ ሰበይቲ ዝብላዕ ኅብስቲ ክትልምነሉ ምስ ከደት፡ መልኣኽ እግዚአብሔር ካብ ኵሉ ዝበልጽ ሰማያዊ መግቢ ኂዝሉ መጽአ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ድኅሪ ምምጋቡ ጸለየ እሞ እታ ተኣሲሩላ ዘሎ ዓንዲ ለምሊማ ጠጢዓ ቘጽሊ ብምውፃእ ዓባይ ኦም ኮነት። እታ ድኻ ሰበይቲ፡ ነዚ መኣድን ዝጠጥዐት ዓንድን ርእያ ኣዝያ ተገረመት። እቲ ጸማም፡ ዓባስን ዕዉርን ወዳ ድማ ብቅዱስ ጊዮርጊስ ሓወየላ።
ንጉሥ ዱድያኖስ፡ ነዚ ዜና’ዚ ምስ ሰምዐን ከምኡ’ውን በታ ዓዲ ክኃልፍ ከሎ እታ ዝጠጥዐት ዓንዲ ቅዱስ ጊዮርጊስ ከም ዘጠጥዐ ምስ ፈለጠ፡ ኣዝዩ ጐሃየን ተበሳጨወን። ካብ ዝተኣስረሉ ቦታ ኣምጺኦም ንኽገርፍዎ ዓሳኽሩ ኣዘዘ። ንሳቶም ከኣ ኻብቲ ዝተኣሥረሉ ቦታ ኣውፂኦም ኣብ ዓውዲ ከም እኽሊ ብእግሪ ብዕራይ ከም ዝኺየድ ገይሮም ክሳዕ ዚመውት ብበትሪ ከትከትዎ። እንተኾነ ግና ኃይሊ እግዚአብሔር ስለ ዘይተፈልዮ ካብ ሞት ተንሢኡ ስብከቱ ቐጸለ።
ንጉሥ ዱድያኖስ ናይ ክፍኣት መደብ ሓንጺጹ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኽቐትሎ፡ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኸኣ ብኃይሊ እግዚአብሔር ካብ ሞት ክትንሥእ ተረባረቡ። ንጉሥ ዱድያኖስ ከም ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ንጓሉ ኣመርዕዩ ናብ ንግሥነት ክመልሶ መዲቡ፡ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ሓተቶ። ቅዱስ ጊዮርጊስ እዚ ዕድመ’ዚ ኣብ ውሽጢ ቤተ ሰብ ዱድያኖስ ቃል እግዚአብሔር ንምስትምሃር ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኾይኑ ስለ ዝረኽቦ ነቲ ናይ መርዓ ሕቶ ከምዝተቐበሎ መሲሉ ብምእታው ስብከቱ ቐጸለ። ካብ ጣዕሚ ትምህርቱ ዝተላዕለ ሰበይቲ ዱድያኖስ ብስም ክርስቶስ ኣሚና ተጠምቀት። ንጉሥ ዱዲያኖስ ኵነታት ሰበይቱ ምስ ፈለጠ ኸም እትስየፍ ገበረ። በዚ ኸኣ ኣኽሊል ሰማዕትነት ንምጕንጻፍ በቕዐት።
ድኅር’ዚ ናይ ቀረባ ኣማኸርቱ 70 ነገሥታት ናብኡ መጺኦም፡ “ቅዱስ ጊዮርጊስ ብሰይፊ፡ ክሣዱ ኺቝረጽ ኣለዎ” ኢሎም ሓሳብ ኣቕረቡሉ፡ ቅዱስ ጊዮርጊስ ነዚ ዜና’ዚ ምስ ሰምዐ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ንኣይ ሕይወት ማለት ክርስቶስ፡ ምማት ከኣ ረብሓይ እዩ። . . . ዝኅሸኒ ስለዝኾነ ግና ኻብዚ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ፡” ከም ዝበለ (ፊል. 1፡21-23) ቅዱስ ጊዮርጊስ ትሪ ልቡና ናይዞም 70 ነገሥታት ርእዩ፡ ኻብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ኸጥፍኦም ምስ ጸለየ፡ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ነቶም 70 ነገሥታት ምስ ሠራዊቶም ኣጥፍኦም።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ተገሊጹ፡ “ስምካ ጸዊዑ ዝለመነ፡ ብስምካ ቤተ ክርስቲያን ዝሓነፀ፡ ዝኽርኻ ዝገበረ፡ ብስምካ ንዝጠመዩ ዘዐንገለን፡ ንዝጠመዩ ዘስተየን ክምሕረልካ እየ፡ ንዝገበሮ ኃጢኣት’ውን ክድምስሰሉ እየ። ከምኡ’ውን ብባሕሪ ኾነ ብመሬት እናተጓዕዙ ሽግር ምስ ዘጓንፎም እሞ ስምካ ጸዊዖም እንተ ለመኑኒ ቐልጢፈ ኽረድኦም እየ . . .” እናበለ ቓል ኪዳን ምስ ኣተወሉ ናብ ሰማይ ዓረገ።
ድኅር'ዚ፡ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሠለስተ ጊዜ ሞይቱ ተንሢኡ፡ ሾብዓተ ዓመት ተጋዲሉ፡ ኣብ 27 ዓመት ዕድሚኡ ዓርቢ መዓልቲ ብ23 ሚያዝያ 304 ዓ.ም. ክሣዱ ብሰይፊ ተቘሪጹ ብሰማዕትነት ኃለፈ። ዓስቢ ተጋድሎኡ ድማ ሾብዓተ ኣኽሊል ክብሪ ካብ ሰማይ ወረደሉ። እቶም ምእመናንን ምእመናትን ከኣ ንሥጋኡ ናብ ልዳ ትብሃል ዓዲ ወሲዶም ብኽብሪ ኣቐመጥዎ።
ክብረ በዓል ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ብሰማዕትነት ዝኃለፈሉ 23 ሚያዝያ፡ ቅዳሴ ቤቱ 7 ኅዳር፡ 18 ጥር ሥጋኡ ተጣሒኑ ኣብ ንፋስ ዝተዘረወሉ . . . እናተባህለ ይኽበር እዩ።
ኣሰረ ፍኖት ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ተኸቲልና ኽንከይድ እግዚአብሔር ኣምላኽና ይርድኣና።
ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ኵላትና ይኹን።
ሰላም ለከ ሠርዌ ሰማዕታት አእላፍ፣
ዘሞጐሰ ስምከ በጽሐ መንገለ ኵሉ አጽናፍ፣
በቅድመ ፀሐይ ብሩህ ዘኢየዓርብ ዘዘልፍ፣
ሕማምየ ዝሩ ነሢአካ በአፍ፣
ጊዮርጊስ ቀሊለ ክንፍ ከራድዮን ዖፍ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!
No comments:
Post a Comment